መጻሕፍቲ ብዝተፈላለዩ ቓንቓታት

ሓደ መጽሕእፍ መብዛሕቲኡ ግዜ ንኣርባዕተ ሳምንታት ትልቕሖ ። ፊልም ወይ ጋዜጣ ክትልቓሕ ግን ሓጺር ግዜ ኣለዎ። ኣብ ትልቕሓሉ ቕብሊት ይወሃበካ አዩ። ኣብ ቕብሊት ድማ ዕለተ ምልቓሕን ምምላስን ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ናይ ቤት ንባብ ሕበሬታ ባንኮ ኩሉ ግዜ ኣባላት ኣለዉ። ንዖኦም ክትውከሶም ይከኣል, ንምድላይ መጻሕፍትን ፊልምታትን ሲዲን ( CD ) ብዛዕባ ካልእ ዝተፈላለዩ ሓበሬታትን ።

ብዝተፈላለየ ቓንቓ ዝተጻሕፉ ብዙሓት መጽሓፍቲ ኣለዉና። ቤት ንባብና እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ጎዲልዎ ኣሎ ትብል አንተ ደኣ ኮይንካ ሓበሬታ ክትህቡና, ገዜእና ክንቕርቦ ድልዋት ኢና። ጋዜጣን መጽሔትን ብዝተፈላለዩ ቓንቓ ዝተጻሕፉ ውን ኣለና። ኣብ ኮምፒተር ኣቲካ ጋዜጣ ክተንብብ ውን ይከኣል አዩ። ኣባላትና ኣጠቓቕማ ኮምፒተር ከርእዩኻ ይከኣል እዩ።

መጽሓፍ መምርሒ ፍቓድ ብቡዙሓት ብዝተፈላለዩ ቓንቓታት ዝተጻሕፉ ከም ትግሪኛ፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ሪስካ፡ ፐርሲስካ.. ወዘተ ኣለዉ። ብቐለልቲ ቓላት ስቨንስካ ዝተዳለወ መጽሓፍ መምርሒ ፍቓድ ውን ኣሎ። ብዙሓት መምሃሪ መጻሕፍቲ ስቨንስካ ክምህሩካ ዝኽእሉ መጻሕፍቲ ኣለውና። ብዙሓት ክልቕሕዎም ዝደልዩ ስለ ዘለዉ ነታ ዝደለኻያ መጽሓፍ ንምርካብ ግዜ ምሕዛእ የድልየካ።