SFI

ትንህርቲ ስቬንስካ ንስደተኛታት (SFI) መባአታዊ ፍልጠት ቓንቓ ሽወደን ይህበካ። ቓንቓ ሽወደን ትመሃር ንምዝርራብን ምጽሓፍን ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ስራሕን ንክትረዳዳእ እዩ።

እቶም ብናይ ቓንቓ ኣደ ክጽሕፉን ከምብቡን ዘይ ክእሉ ውን ክመሃርሉ ዝኽእሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ትምህርቲ ስቬንስካ ንስደተኛታት ንኹሉ ካብ ወዲ 16 ዓመት ክፉት እዩ።

 

መዳለዊ ንስስኢ

ኣብዚ ሓደ ከም ተማሃራይ ኮኢኑ ዝጅምረሉ እዩ። ንተኻፈልቲ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ መዳለዊ ንናይ ስቨንስካ ቓንቓ ክእለቶም ክብ ንምባል ንህብ።

ኣብ ኤሰፊ ንምጅማር ናይ ቓንቓ ብቕዓቶም ንኹሎም በብሓደ ተራእዩ ኣኣጽፍሖም ንክመሃሩ ኣብዚ ግዜ እዚ ይፍጸም።

ውጥን ኣብ ዝውደኣሉ ግዜ መን ኣበየናይ ደረጃ ከም ዝጅምር ብብቕዓቶም ተራኣዩ ናብ ኤሰፊ ይለኣኹ።

 

ደረጃታት - SFI

ኣብ SFI ሰለስተ ናይ መጽናዕቲ መንገዲታት ኣሎ።

1 መጽንዒ መንገዲ እንጥቀመሎም ነቶም ኣንቢቦምን ጺሒፎምን ዘይክእሉ ወይ ድማ ቱሑት ትምህርቲ ንዘለዎም 3 እንጥቀመሎም ነቶም ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ዘድልዮም።

ንስኻ ዝወሓደ 15 ሰዓት ኣብ ሰሙን ናይ ትምህርቲ ሃገዝ ትረክብ ካብ A ክሳብ F ዝሓዘ ባጀላ ዉን ኣብ ነብሲወከፍ መጨረስታ ናይቲ ኮርስ ትወሃብ። A እቲ ዚለዕለ ነጥቢ ኪኸዉን ከሎ F አቲ ዚተሓተ ዘይየሐሊፍ እዩ።

SFI ምትእስሳር ኣለዎ ንኣብነት ምስ ስራሕ፣ልምምዳት ወይ ካልኦት ናይ ዓበይቲ ኮርሳት ኣብ ዉሽጢ ምምሕዳርና።

SFI ጥቡቅ ናይ ሓባር ስራሕ ምስ Arbetsförmedlingen ን Redo(Resurscentrum)ን ኣለዎ። Arbetsförmedlingen እቲ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝስከም ናይ ተማሃራይ መትከሊ እግሪ (etablering) ኣብ ሽወደን እዩ፣ እዚ ማለት አቲ ተማሃራይ ብናይ ስራሕ ኣገልግሎት ተሓሲብሉ ዝክፈሎ ገንዘብ ካብ Arbetsförmedlingen እዩ።

Arbetsförmedlingen ኣብ ትሕትኡ ዝርከቡ ተማሃሮ ብናይ ስራሕ ሞያ፣ ናይ ስራሕ ልምምዳትን ናይ SFi ኮርሰ በቲ ናይ እግሪ ተኽሊ(etableringen) ይሽፍነሎም።

ንነብሲወከፍ ተማሃራይ ናይ ገዛ ርእሱ ተቆጻጻሪ ኣብ Arbetsförmedlingen ኣለዎ።

ዕላሙኡ ከኣ ብዝበዚሐ መጠን ናይ ደረጃ D ባጀላ ንምርካብ ካብኡ ቀጺሉ ኒዘሎ ናይ ሽወደን ከም ካልኣይ ቓንቓ SAS ወይ ስራሕ ወይ ልምምድ ናይ ስራሕ ንምርካብ ይሕግዝ።

ኣብዚ ኣንብቡ ብ ትግርኛ ብዛዕባ SFI! External link, opens in new window.