ናይ ምምሕዳር መርዓታት

ንኹሉ ቓልኪዳን ክኣስር ዝደሊ ብ ናይ ምምሕዳር መርዓ ናብ Rådhuset ብደሓን ምጹ። ናይ ግዜ ቖጸራ ክትሕዙ እንተደኣ ደሊኹም ቕድሚ ክልተ ሰሙን ክተመልክቱ ክትክእሉ ኣለኩም፣ ምእንቲ ንሕና ኣቐዲምና ክንዳለወሉ።

ዝበዝሑ ናይ ምምሕዳር መርዓታት ኣብ ፍሉይ ናይ Rådhuset ክፍሊ ገዛ ይካየዱ። ንስኹም ባዕልኹም ናይ መርዓኹም ቦታ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪ ምስ ናይ መርዓ ሰራሕተናታት ኦፊስ ምስምማዕኩም።

ነዚ ዘድልዩኻ፣

ናይ መርዓ ፍቓድ ወረቐት (hindersprövning) ካብ skatteverket ክትሓትት ትኽእል።

ነዓኻ ክልተ ወረቐት የድልየካ ፣ ሓንቲ ናይ መርዓ ፍቓድ ወረቐት (hindersprövning) ከምኡዉን ሓንቲ ናይ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት (vigselintyg) እየን። እዘን ክልተ ወረቓቕቲ ኣቐዲምካ ቅድሚ መርዓኻ ዘሎ ግዜ ኣብ Rådhuset ክተቕርበን ኣለካ።

ክልተ ሕጋዊ ምስክር። አቶም መጻምድቲ ናይ ገዛ ርእሶም ምስኪር ተዘይብሎም ኣብ Rådhuset መሰኻኽር ኣለዉ(መዓልታዊ ካብ ሰዓት 07:30-16:30 ይርከቡ)።

ስምን ትነብረሉ ኣድራሻን ምስ ምስክር ወረቐት ተቕርብ ኣብ Rådhuset.

 

ምሕዝነት ናብ መርዓ ዝቐየሩ

ሕጊ ከም ዝብሎ ክልተ ውልቀ ሰባት ብዘየገድስ ጾታ ናይ መርዓ መሰል ኣለዎም።

ንስኹም እቶም ብናይ ምሕዝነት ምዝጉባት ዝኾንኩም ኣብ ሽወደን ብክልተ ኣገባብ ካብ ምሕዝነት ናብ መርዓ ክትቕይርዎ ትኽእሉ።

• ብጽሑፋዊ ኣገባብ ክተመልክቱ ትኽእሉ እተደኣ ምሕዝነትኩም ናብ መርዓ ብዝቐለለ ደብዳቤ ናብ ኣብ ጥቃኹም ዘሎ ናይ ቐረጽ ኦፊስ (skattekontor) ብምልኣኽ።

• ብናይ ጽሑፍ ጽምብል መርዓ ብዘይ ናይ ፍቓድ መርዓ ፣ ናይ ጽሑፍ መርዓ እኹልዩ ምስክር ወረቐት ክትረኪብ እንተ ደኣ ምዝጉብ ነርካ ብዝምድና ኣብ ሽወደን። እቲ ናይ ቓልኪዳን ኦፊስ የመሓላልፈልካ ናብ ናይ ሽወደን ቐረጽ ዋኒን ብዛዕባ ጽምብል መርዓኻ። ንስኹም ምርዑዋት ኢኹም ካብታ ዕለት መርዓኹም።

 

ጽሑፍ ጽምብል መርዓ: Margareta Högberg, Sven-Erik Lindestam, Isabel Hildén, Eva Lindberg, Eva Östlin