ሶሻልሰንስተን

ሶሻልሰንስተን ሓገዝ ይህብ ንኹሉ ተቐማጢ እዚ ምምሕዳር ሓገዝ ምስ ዘድሊዮም። ንቖልዑ፣መንእሰያት፣ዓበይቲ ወይ ኣረጋውያን። ሶሻልሰንስተን ይኽፈል ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ከሙ ዉን ኩሎም ኣባላት ናይ ምስጢር ምዕቓብ ግደታ ኣለዎም።

 

ናይ ሕብረተሰብ ጉጅለ Familjeenheten

ናብዚ ወለዲ ወይ መናሰያት ይመጹ ዝኾነ ጸገም ምስዝህልዎም ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ዝደልዩ። ኣደ፣ኣቦ ወይ ዉላድ እኽእሉ ሓደ ሓደ ግዜ ክዛረቡ እተደኣ ጸጊምዎም። ከሙ ዉን ሓገዝ ክትረኪብ ትኽእል ብነጻ ካብ ናይ ሕብረተሰብ መሳርሕቲ (Familjeteamet)።

ኣብ ሕብረተሰብ ጉጅለ (Familjeenheten) ምቑጽጻር ናይ ቖልዑ ይግበረሎም ሓገዝ ምስዘድሊዮም ወይ ዚኾነ ዘረባታት ምስ ዚበጽሓና እቲ ቖልዓ ጽቡቕ ከምዘየለ።

እንተ ደኣ ሓደ ቖልዓ ካብ (0-20) ዝዕድሚኡ ጽቡቕ ከምዘየለ ኣሚንካ ክትሕብር ትኽእል። እንተ ደኣ መን ሙኻንካ ዘይገሊጽካ ወላ ዉን ሽም ኣልቦ ገርካ ክትሕብር ትኽእል ናብ ሶሻልሰንስተን።

ኩሎም ምስ ቆልዑ ዝሰርሑ ግደታ ኣለዎም ከምቲ ሕጊ ዝብሎ ክሕብሩ እንተ ደኣ ጠርጢርካ እቲ ቖልዓ ጽቡቅ ከምዘየለ።

 

Försörjningsenheten

ኣብዚ ሓገዝ ትረኪብ ናይ ዕለታዊ መንበሪኻ።
ኣሃዱና ይኽእል ክሕግዘካ ብኽፍሊት ሓገዝ ንመንበሪኻ (försörjningsstöd)።
እንተ ደኣ ኒሲኻ ነብሲኻ ዘይኬልካ ወይ ሲድራኻ ከተመልክት ትኽእል ናይ መንበሪኻ ሓገዝ (försörjningsstöd)።

ሓገዝ ናይ መንበሪ (försörjningsstöd) ንዓኻ ነብሲኻ ከተማሓድር ተባሂሉ ዝወሃብ እዩ።

ሶሽያልሸንስተን ሓገግቲ (Socialtjänstlagen) ይዉስኑ መነኦም ሓገዝ ከምዘድሊዮም (försörjningsstöd)። ትረኽቦ መጠን ሓገዝ ይዉሰን በቲ ናትካ ኣታዊ ወይ ዘለካ ጸገማት።

 

Vuxenenheten

ኣብዚ ናይ መስተ ኣልኮል፣ዕጸ ፋርስ ሓሽሽ ወይ ካብ ኣደንዛዚ ዕጸ ጸገም ዘለዎም ዓበይቲ ዊን ሓገዝ ክረኽቡ እኽእሉ።

ደውሉ ናብ ወሃቢ ኣገልግሎት 0270-75 000 እንተደኣ ክትረኽበና ደሊኻ ነዓና ሶሻልሰንስተን (Socialtjänsten)።


ኣብዚ ሓበረታታት ትረኪብ ንስኻ ብዛዕባ ሶሻልሰንስተን (Socialtjänsten) ን ቖልዑ።.  External link, opens in new window.


እንተ ደኣ ብዘይደለኻዮ ዝኾነ ሰብ ኣብሊዕለኻ ሓይሊ ወይ ዓመጽ፣ዘየድሊ ምንቕስቓሳት ወይ ሕማቕ ስነ ሓሳባዊ ተግባራት ትኽእል ንስኻ ኪትድዊል ናብ ድሕነት ቖልዑ (Rädda barnens) ተለፎን ቁጽሪ 020-100200 ስም ኣልቦ ውከሙዉን ብነጻ ክፍሊት።