ናይ መሕደሲ ማእከል

Långtå ናይ መሐደሲ ማእከል ኣብ ሶደርሃምን እዩ።

ብከምዚ ኣገባብ ገርካ ተቐምጦም ንስኻ ኣብ መሐደሲ ማእከል።

ሓደገኛ ጎሓፍ (Farligt avfall)

ኩሎም ሓደገኛታት ጎሓፋት ተቐምጦም ኣብቲ ንዖኦም ኢሉ ዝተዳለወ ናይ ጎሓፍ ቦታ። ኣብዚ ክትጉሑፍ ትኽእል ኤሌትሪካዊ ኣኣቓሓ፣ዘይቲታት፣ከሚካላት ከም ቐለማት ወይ ኣፋዉስ ባልዓት፣ስፕረይ መንጸጊ፣ነኣኣሽቱ ባተሪታት፣ናይ መኪና ባተሪታት ከሙዉን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣምፑላት።

ዓበይቲ መሳሪሒታት (Stora vitvaror)

ኣብዚ ትጉሕፍ ንስኻ እቶንጋዝ፣መኸሸኒእቶን፣ማሽን መሕጸቢ ኣቑሑት፣ማሽን ናይ ክዳን፣መንቐጺ ማሽን፣መንቐጺ ኣቑሑት ከሙ ዉን ዝተፈላለዩ መዝሃሊ ፍሪጅ፣መዝሓሊን ከሙዉን መዉዓይ ማሽንን።

ምድሪ ወይ እምኒ (Jord och sten)

ኣብዚ ዘጽረኻዮ ንስኻ ናይ ምድሪ፣እምኒ፣ሑጻ፣ጸጸር፣ከረጢት ማቶነላ ወይ ሕጡብ ብቐጥታ ኣብዚ መጉሓፊ ባጎኒ ዉሽጢ ነትዎ።

ሩዝ ወይ ቑጥቓጥ (Ris och buskar)

ኣብዚ ኮንቲነር ተቐምጦ ኩሉ ሩዝ ከሙዉን ካልኦት ጥረምረ ጎሓፋት።

ፓኬት ናይጎሓፍ (Pappersförpackningar)

ኣብዚ ትጉሕፍ ንስኻ ኩሎም ዚተፈላለዩ ፓኬት ናይጎሓፋት ወይ ባኮታት። ንስኻ ዝተሰባበረ ጣውላ ክድርቢ ኣይፍቐደካን እዩ ኣብዚ እንተደሊኻ ናይ ሲብርባራት ጠዋሉ ተቐምጠሉ ኮንቲነር ንቕርሚት ምስከድካ ኣብቲ መሕደሲ ማከል (återvinningscentralen) ኣለካ።

ጋዘጣታት (Tidningar)

 ኣብዚ ትጉሕፍ ንስኻ ጋዜጣታት፣መጽሄት፣ናይሓበረታታት፣እሹግ መጽሓፍ ከሙዉን መጽሓፊ ወረቓቕቲ።ናይ ህያብ ወረቓቅቲ ኣብዚ ምቕማጥ ኣይፍቐድን እዩ ካብ ኮንቲነር ወጻኢ ዚቃጸል ስለዝኮነ።

ፕላስቲክ መዐሸጊ (Plastförpackningar)

ኣብዚ ኮንቲነር ትጉሕፍ ንስኻ ኩሉ ናይ ፕላስቲክ መዐሽጊታት።

ሓጻዊን መዐሸጊታት (Metallförpackningar)

ኣብዚ ትጉሕፍ ንስኻ ጽሩይን ድሩቕን ታኒካ መዐሸጊ፣ድስተታኒካ ዘይሽየጡ፣ኣለሚኒዮም ቕርጺ፣መጠቕለሊ፣ መንጸጊ ታኒካታት፣ቱቦታት፣መኽደኒ ወይ መሸፈኒ።

ጠራሙዝ መዐሸጊታት (Glasförpackningar)

ሕብራዊን ዘይሕብራዊን መዐሸጊ ጠራሙዝ ወይ መትሓዚ ዝስተዩ ተራሙዝ ጎሓፍ ኣብዚ ተዳሊልኩም ዘሎ ናይ ሕብራዊን ዘይሕብራዊን ኮንቲነር ትጉሕፉ። ነቲ መኽደኒ ወይ መሸፈኒ ፈቲሕኩም ኣብቲ ናቱ ናይ ሓጺን ኮንቲነር ትጉሕፍዎ።

ፍርናሻት ወይ ዝዓነወ ኣቑሑት ገዛ (Madrasser och stoppade möbler)

ኣብዚ ኣቑሑት ዝኣረጉ ብሓጺን ዝተተሓሓዙ ምስ ዝኮኑ። እቶም ኣቑሑት ዝኣረጉን ዚበኽቦኹን ምስዝኾኑ ናብቲ መቓጺሊ ኮንቲነር ንጉሕፎም።

ጣውላ (Trä)

ኣብዚ ተቐምጡ ኩሉ ዓይነት ጣዋሉ, ዝተለኸየን ዘይተለኸየን ግን ሩሑስ ቖጽላዊ (impregnerat) ዘይኮነ ። ጸገም የቢሉን ምስ መስማሩ ወይ መሰሪኡ ተኮይኑ።

ዝተቖራረጹ ባኮታት (Wellpapp)

ዝተቖራረጸ ባኮታት ዝበሃል ኩሎም ሉስሉሳትን ተረርቲን ዝተጠባበቑ ባኮታት ኪፍቲ ቦታ ዘለዎም። ከምዚኦም ዓይነት ባኮታት ብሃደ ምስ መትሓዚኦም ምጉሓፍ ኣይፍቐድን እዩ።

ካልኦት ዝቓጸሉ ንብረት (Övrigt brännbart)

ኣብዚ ነቐምጦም እቶም ክቓጸሉ እንደሊኦም ካልኣይ ግዜ ክሕደሱ ዘይክእሉ ንኣብነት መጽሓፍቲ፣ክዳዊንቲ፣ጨርቐ መርቒ፣ፕላስቲክ ዘይተዓሸጉ፣መተርኣስ፣ኣንሶላ ዝኣረገ ፍርናሽ፣መተራስ ወይ ፖሊስተሪን(ሕጺጽ መሸፈኒ ሓደስቲ ንብረት)።

ኣይሮን ወይ ሓጺን (Järn och metall)

ናይ ሓጺን ስርሓት ከም ቖራጺት ሳዕሪ፣ፊስቶ፣ባዴላ፣ድስቲ፣ባኜው፣ቾርኬ፣ብሽክለታ፣ዓረቢያ፣ኤሌመንት ከሙ ዉን ካሎት ዚበዝሐ ክፋሎም ሓጺን ዘለዎም፣ትጉሕፎም ንስኻ ኣብ ሓደ ኮንቲነር።

ዘይቓጸሉ (ልምሉም ጎሓፍ) (Ej brännbart - deponi)

እዚኦም ካላይ ግዜ ዘይሕደሱ ኮይኖም ተመድሚዶም ዚቕመጡ። ተደምዲሞም ዝቕመጡ ጎሓፋት ንኣብነት ቤትሮ፣ጨና፣መፈላለይ ኣሲድ፣ቕጥራን ዝተለበጠ፣ናይ ሽንቲ ቤት ኩርሲ ከሙ ዉን ሸሓኒ።

ጎማ መኪና (Däck)

ጎማ መኪና ከንባሓድሽ ስለ ዝሕደስ ናይ መኪና ጎማ ኩሉ ኣብዚ ነቐምጦ። ናይ ብሽክለታ ጎማ ኣብቲ ዚቓጸል ኮንቲነር ኒጉሕፎ።

ሩሑሳት ቖጽላዊ (impregnerat) ጠዋሉ (Impregnerat trä)

ኩሎም ዓይነት ሩሑሳት ቖጽላዊ (impregnerat) ጠዋሉ ኣብዚ ነቐምጦም። ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ብሓደ እንተዘይ ጎሓፍናዮም ዝተለኸዩን ዘይተለኸዩን ኣብ ሓደ ኮንቲነር።

እንደገና ዝዝውተር (Återbruk)

እንደገና ዝዝውተር ኮንቲነር ብ ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ናይ ነጻ ማሕበራት ነቶም ንዑኡ ኣኪቦም ናብ መሸጣ ዝዝርግሑዎ ኣካላት ይዕደል። ኣብዚ ይዕደል ጡዑይን ምሉእ ብምሉእ ዝሰርሕ ንብረት። ኣብዚ ኣይፍቐድን ባዕሊኻ ዘድሊዩካ ንብረት ኪትወሲድ።