Vård

ክንክንን ጥዕናን

እንተ ደኣ ሓሚምካ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ኣለካ ክንክን ትረክበሉ።

ናይ ሂወት ክንክን ፍቃድ የማልእ እዩ - 112 ገርኩም ደዉሉ!

እንተ ደኣ ናይ ሂወት ክንክን ፍቃድ ዘይኮይኑ ክትረክቦም ትክል ነቶም ናትካ ማከል ጥዕና ወይ በዚ 1177 ተለፎን ቁጽሪ ናብ ክንክን መምርሒ ክድዉል ትኽእል።

ማእከል ጥዕና ኣብ Söderhamn ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 08:00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ 17:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣገልግሎት ይህብ።

እንተ ደኣ ማእከል ጥዕና ተዓጺኩም በዚ ተለፎን ቁጽሪ 1177 ናብ ክንክን መምርሒ ደዊልኩም ሕክምናዊ ረዲኤት (Familjeläkarjouren) ትረኽቡ ትኽእሉ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 17:00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 20:00 ናይ ምሽት ከምኡዉን ካብ ቀዳም ክሳብ ሰንበት ካብ ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 18:00 ድሕሪ ቀትሪ።

ናይ ክንክን መምርሒ ብተወሳኺ የመልክተልካ ናብ ህጹጽ ረዲኤት ናብ Bollnäs ወይ Hudiksvall።

ካርታ፣: ማእከል ጥዕና

ተወሳኺ ሌንካር

​ፋርማሲ/ቤትመድሃኒት

መድሃኒት ኣብ ፋርማሲ ኢኻ እትዕድጎ። ገለ መድሃኒታት ካብ ሓኪምካ ፕረስክሪፕሽን የድልዮ። እቶም ኣብ ፋርማሲ ዚሰርሑ ብዛዕባ ሕማምን ኣፋውስን ብዙሕ ይፈልጡ እዮም። ንሓያሎ ሕቶታትካ ኪምልሹ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ፋርማሲ ንእተፈላዩ ሕማማት ዚምልከቱ ብሮሹራትውን ይርከብ እዩ።