መባእታ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ቤት ትምህርቲ መባእታ ኽትመሃር ግዴታ እዩ። ኩሎም ቖልዑ 9 ዓመት ክመሃሩ ኣለዎም።

ሓደ ቖልዓ ኣብ 7 ዓመቱ ቐዳማይ ክፍሊ ክጅምር ኣለዎ።

ሓደ ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ክልተ ሰሚስተር ይኽፈል፡ ናይ ቀውዒ ሰሚስተርን ናይ ጽድያ ሰሚስተርን ይበሃሉ።

ንስካ እንተ ደኣ ሓታቲ ዑቕባ ኮይንካ ክትመሃር መሰል ኣለካ ልክዕ ከምቶም ካሎት ተቐመጥቲ ኣብ ሽወደን ግን ግዴታኻ ኣይኮነን ክትመሃር ድሌት ተዘይብልካ።

ሓድሽ ተቐማጢ ናይ ሽወደን አንተ ደኣ ኮይንካ ኣብ መእተዊ ናይ ስቬንስካ ትምሕርቲ ክትጅምር ልሙድ እዩ።

ቤት ትምህርቲ መባእታ ብነጻ ትመሃር። እሂ ማለት ከኣ ንስኻ ንትምህርቲን መጻሕፍትን ናይ ቤት ትምህርቲ ንብረትን ዝኮነ ክፍሊት ከም ዘይ ብልካ ማለት እዩ።

መግቢ ውን ብነጻ እዩ። ተማሃሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ሕክምናን, ናይ ክልሰ ሓሳብን ግብራውን ምምዕባል ትምህርትን, ናይ ቤት ትምህርቲ ቤት ንባብን ውን ይረክቡ።

ከም ኣለይቲ ወይ ወለዲ ብሓንሳብ ኮይንኹም ቖልዓኹም ኣበየናይ ቤት ትምህርቲ ከም ዝመሃር ክትመርጹ መሰል ኣለኩም። ካብ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ገዲፍካ ኣብ ዝመረጽካዮ ንክትመሃር ሓላፊ ቤት ትምህርቲ (ዳይረክተር) ይውስኖ።

ባዕልካ ቤ ትምህርቲ ትመሃረሉ ውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ግን ናይ ቤት ትምህርቲ መጋዓዝያ ክክፈለልካ መሰል የብልካን።

ኣብዚ ኣንብቡ ብ ትግርኛ ብዛዕባ መባእታ ቤት ትምህርቲ። Pdf, 664.3 kB, opens in new window.